Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

israel becoming a state


ኤርምያስ 30:1-40 | 17 Helpful votes

እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነዘን ዝነገርኩኻ ቓላት ኲለን ኣብ መጽሓፍ ጽሐፈንይብል አሎ። እንሆ፡ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብታ ነቦታቶም ዝሀብክዋ ሃገር ከኣ ክመልሶም እየ፡ ንሳቶምውን ኪርስተይዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እተን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚኣተን እየን፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናይ ደሓን ዘይኰነስ ድምጺ ረዓድን ስምባድን ሰማዕና እሞ፡ ተባዕታይ ዚወልድ እንተ ዀነስ፡ ጠይቑን ተምልከቱን። ስለምንታይ ደኣ እየ ዂሎም እቶም ሰብኡት፡ ከምታ ንምውላድ እትጽዕር ሰበይቲ ዀይኖም፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕቚኦም ገይሮም ኲሉ ገጽውን ተዳሂሉ ዝርኢ ዘሎኹ። ወዮ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ዓባይ እያ እሞ፡ ዚመዓራረያ የልቦን። ንያእቆብ ጊዜ ጸበባኡ እዩ፡ ግናኸ ካብኡ ኺድሕን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽሰብርመእሰሪታትካ ድማ ክበትኽ እየ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ኪግዝኡ እዮም እምበር፡ ድሕሪ እዝስ ጓኖት ኣይኪግዝእዎን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እምበኣርሲ እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕንዘርእኻ ድማ ካብቲ እተማረኹሉ ሃገር ከድሕን እየ። ያእቆብ ኪምለስ እዩ። ብዕረፍትን ህድኣትን ኪትነብር እዩ፡ ዜፍርሆ ኸኣ የልቦን እሞ፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይኣይትፍራህ፡ ንስኻ እስራኤልውን ኣይትሰምብድ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ምእንቲ ኸድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ፡ ነቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ዂላቶም ህዝብታት ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝግስጸካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ ምንም ኣይሐድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ መውቃዕትኺ ዘይሐዊቊስልኺ ድማ ብርቱዕ እዩ። ክትስፈፊ ኢሉ፡ ነገርኪ ዚጣበቐልኪ የልቦን፡ ዜሕዊ ፈውሲ ከኣ የብልክን። ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺሓቲኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ብናይ ጸላኢ መውቃዕቲ፡ ብናይ ጨካን መቕጻዕቲ ገይረ ወቒዔኪ እየ እሞ፡ ኲሎም ፈተውትኺ ረሲዖምኺ፡ ግድኺ እኳ የብሎምን። ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መውቃዕትኺ ኡይ እትብሊ ዘሎኺ፧ ቃንዛኽስ ዘይሐዊ እዩ። ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ እዚ ዝገበርኩኺ። እቶም ዚበልዑኺውን ኪብልዑተጻረርትኺ ዘበሉ ዂላቶም ኪማረኹ፡ ኲሎም ገፈፍትኺ ኺግፈፉ እዮም፡ ንዂሎም ዘማቶኺ ድማ ንዘመተ ኽምጥዎም እየ። እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ ንድንኳናት ያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልስ፡ ነቲ ዚነብረሉ ስፍራታት ከኣ ክድንግጸሉ እየ። እታ ከተማ ድማ ኣብቲ ዂርባታታ ኽትስራሕ እያ፡ እቲ ኣዳራሽ ከኣ ከምቲ ስርዓቱ መሳፍሮ ኪኸውን እዩ። ካብኦም ድማ ምስጋናን ድምጺ ሕጉሳትን ኪወጽእ እዩ። ከብዝሖም እየ እሞ ኣይኪውሕዱንከኽብሮም እየ እሞ ኣይኪዋረዱን እዮም። ደቆም ከም ቀደም ኪዀኑ እዮም፡ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ ክትቀውም እያ። ኣነውን ንዂሎም ጠቓዕቶም ክቐጽዖም እየ። መስፍኖም ካባታቶም ኪኸውን፡ ገዛኢኦም ከኣ ካብ ማእከሎም ኪወጽእ እዩ፡ መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ፡ ኣነ ደኣ እየ ዘቕርቦ፡ ንሱውን ኪቐርበኒ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ህዝቢ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። እንሆ፡ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ነድሩ ይወጽእ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ረሲኣን ተወንጪፉ ይወርድ። እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመን ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 21:32 | 13 Helpful votes

እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:5-6 | 12 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእነወዳተይ ካብ ርሑቕነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ

Translation | Context
ኣሞጽ 9:14-15 | 11 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉወይኒ ኸኣ ኪሰትዩኣታኽልቲ ኺገብሩፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ

Translation | Context
ኢሳይያስ 11:12 | 6 Helpful votes

ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 30:3 | 4 Helpful votes

ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስይድንግጸልካ ኸኣ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።

Translation | Context